"ካብ ሰርከስ ትግራይ - ናብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም!"

Plot Media-ፕሎት ሚድያ
Plot Media-ፕሎት ሚድያ
3 هزار بار بازدید - 5 روز پیش - ምሉእ ሽሙ ካሕሱ ከበደ ይብሃል።
ምሉእ ሽሙ ካሕሱ ከበደ ይብሃል። ሰባት ዝፈልጥዎ ግን ታይሰን ብዝብል ሳጉኡ እዩ። ብጠንካራ ሰብነቱን ዘይተለመደ ብቕዓት ጥንካሩኡን ተደሚሞም ከምዘውፅእሉ ይንገር። ሓደ ካብ ፈለምቲ ሰርከስ ትግራይ እዩ። እንተኾነ ግን መብዛሕትኦም መዘንኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣውሮፖ ተዋፊሮም ፅቡቕ ዝበሃል ህይወት እናመርሑ እንትኾኑ ንሱ ግን ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ድኽነት ተሸሚሙ ይርከብ። በዓል ኣቢሲንያ ገብረጊዮርጊስ ፣ ትርሓስ ኮቦለይ ገለ ካብ ነባራት መሳርሕቱ እየን። ሕዚ ብዘርእዮም ዘገርሙን ዘይተለመዱን ክእለታቱ ኣብ መዝገብ ክብረወሰን ዓለም(world Guinness record book ) ንምምዝጋብ ፃዕርታት እናገበረ ይርከብ። ስራሕቱ ድማ ንፈለማ ግዘ ኣብ #ፕሎት #ሚድያ ኣቕሪቡ ኣሎ። ክትከታተሉ ተዓዲምኩም ኣለኹም።
5 روز پیش در تاریخ 1403/06/23 منتشر شده است.
3,089 بـار بازدید شده
... بیشتر