ንዓኻ ምስ ረኸብኩ New Eritrean Catholic mezmur "When I find you" መዘምራን ቁምስና ኪዳነ ምሕረት ፍራንክፉርት

Eri Catholic Kidanemihret Frankfurt
Eri Catholic Kidanemihret Frankfurt
89.7 هزار بار بازدید - 12 ماه پیش - ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧ንኣኻ
ኣብ ሰማይ ብጀካኻ መን ኣሎኒ፧
ንኣኻ ካብ ረኸብኩስ፣
ኣብ ምድሪ ዝደልዮ የብለይን።
መዝ ዳዊት 73፥ 25

እግዚኣብሔር ዓቢ፣ንጉስ ፣ህያዉ፣ርሕሩሕን ዘልኣለማዉን ኢዩ።
መንግስቱን ጽድቁን ጥራሕ ምስ እንደሊ
ኩሉ ዘድሌና ክህበና ሙኻኑ ገሊጹልና ኣሎ ማቴ 6:33

ንጎይታ ሰራዊት ጽድቁ ምስ ረኸብና ኸ እንታይ ኢዩ ዘድልየና ?
በቃ ከምቲ ቅዱስ ጳዉሎስ ናብ ቆላስያስ 3 2-3 ዝጸሓፎ
ሂወትና ምስኡ ምስተሰወረት ንዕኡ ምስ ጠዓምና
ኣብዛ ምድሪ ዘድልየና ወልሓንቲ የልቦን።

በዚ ምኽንያት ምርኩስ ብምግባር
ዝቀንየ ናይ 3 መዓልቲ ሱባኤን ናይ ቁምስናና
ናይ ኢዮቤል ምስጋናን፣ብመዝሙር ከነመስግኖ ዘብቀዓና
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ልዑል ምስጋና ይኹኖ


ሰላም ወሰናይ ፍቁራት ተኸታተልቲ ቻነልና Eri Catholic Kidanemihret Frankfurt ኣብዚ ቻነልና ዝፍኖ መንፈሳዊ መደባት ካብ ቁምስናና ኪዳነ ምሕረት ፍራንክፉርትን ከባቢኣን ኮይኑ ንሕና እዉን ብወገንና ንህዝብና ኣብ መንፈሳዊ ዕቤቶም ንምድጋፍ ተባሂሉ በዚ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ዝጥቀምሉ ሜድያ ኣገልግሎትና ንህብ።

ኣብዚ ቻነል ካብ ዝፍኖ መደባት:
1.እቲ ኣዉራ ኣገዳሲ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ኣምልኾ ጸሎት ዘየለ መስዋዕተ ቅዳሴ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት በቋጻጽራ በርሊን ካብ ሰዓት
   1:00 ድ.ቀ ይፍኖ።
2.ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ናይ ባዕላ መንፈሳዊ ትርጉም ሒዛ ትመጽእ ናይቲ እዋኑ ዝተሰብከ ስብከት ንጽዕን።
3.ሓደስቲ መዛሙር ከምኡ ዉን ዝተደግመ ካቶሊካዊ መዛሙር ስሕት ኢልና ንጽዕን።
4.መሃርቲ ቃለ መሕተት ምስ መንፈሳዉያን ኣቦታትና ካህናት ነዳሉ።
    ካልኦት መደባት እዉን ...ወዘት ነዳሉ
ስለዚ ነዚ መንፈሳዊ መደባትና ከምቲ ንኽብሪ እግዚኣብሔር ናባኹም ነቶም ትዕዘብዎ ንኽበጽሕ ወትሩ እንተግህ ካልኦት ኣሕዋት እዉን ክበጽሖም ብመንፈሳዊ ርድኢ SHARE ንበሎ።
12 ماه پیش در تاریخ 1402/06/11 منتشر شده است.
89,727 بـار بازدید شده
... بیشتر